Fana: At a Speed of Life!

እኹል ድቃስ ዘይረክብ ሰብ ኣብ ኣካላቱ እንታይ ሳዕቤን የጋጥሞ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስእነት ድቃስ ምስ ዝተፈላለዩ ምምዝባላት ርክብ ዘለዎ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ 5 ሚልየን ተሳተፍቲ ዝተገብሩ 153 መፅናዕትታት ከም ዘረጋግፅዎ ሓፂር ሰዓታት ድቃስ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዕድመ ምስ ሕማም ሽኮርያ፣ ልዑል ፀቕጢ ደም፣ ካርዲዮቫስኲላር (መትነ-ልባዊ)፣ ሕማም ልቢ (ኮሮናርዮ)ን ምኽሳዕን ልዑል ዝኾነ ርክብ ኣለዎ።

ኣብቶም ማእከላይ ደረጃ ጉድለት ድቃስ ዘለዎም ድማ ኣካላቶም መጠን ግልኮዝ ደም ናይ ምቁፅፃር ዓቕሚ ሃስይዎ።

ድቃስ ዝተሓረመና እንተድኣ ኾይንና፥ ክታበት ኣይሰርሕን።

ምኽንያቱ ድቃስ ምሕራም ነቲ ናይ ኣካላትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለዘዳኽሞ ዝያዳ ንሕማም ተጠቃዕቲ ይገብረና።

እቶም ካብ 7 ሰዓታት ንታሕቲ ዝድቅሱ ተሳተፍቲ እቲ መፅናዕቲ፥ ብሰዓል ናይ ምጥቃዕ ተኽእለኦም ካብቶም 7 ወይ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ዝድቅሱ ብሰለስተ ዕፅፊ ዝዛየደ’ዩ ተባሂሉ።

ብዙሕ ዘይድቅሱ ሰባት ዝያዳ ናይቲ ግረሊን ዝተባህለን ምስ ጥሜት ርክብ ዘለዎ ሆርሞንን ለፕቲን ዝበሃል ንክሳዐ (ምኽራሽ) ዘበርክትን ፕሮቲንን ይረኣዮም።

ብተወሳኺ’ውን ምስ ናይ ሓንጎል ንጥፈታት ክሳብ ምስሓት ኣእምሮ ዝኸይድ ርክብ ኣለዎ።

እኹል ድቃስ ዘይረክብ ሰብ እንተኾይኑ ትሑት ነውፂ ኣእምሮ ክህልዎ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ሳዕቤን ክቱር ድቃስ እንታይ ምዃኑ ብዙሕ ንፁር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ምስ ኣሉታዊ ኩነታት ጥዕና ርክብ ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ኣብቶም ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ድማ ልዑል ሓደጋ ምጉዳል ናይ ምግንዛብ ዓቕሚ ከም ዝህሉ ይገብር ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.