Fana: At a Speed of Life!

እዋናዊ ኩነታት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንልዕሊ 5 ሺሕ ምሁራን መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶ/ር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ እዋናዊ ኩነታት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንልዕሊ 5 ሺሕ ምሁራን ዩንቨርስቲታት መብርሂ ሂቦም።

እቶም ምሁራን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ካብ ዘለዋ ልዕሊ 50 ዩንቨርስቲታት ዝተውፃእፅኡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ብዌቢናር ዝተኻየደ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶ/ር ሳሙኤል ኡርቃቶን ካልኦት ተሳተፍቲን መደረ ገይሮም።

ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ፈተናታት ምዕባለ ኢትዮጵያ፣ እዋናዊ ኩነታት ግድብ ህዳሰን ከይዲ ሰለስቲኣዊ ድርድርን ኣብ ዝብሉ ርእስታት ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ነይሩ።

ተሳተፍቲ እቲ ዌቢናር፥ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ሓፈሻዊ ግንዛበ ምርካቦም ካብ ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.