Fana: At a Speed of Life!

እዚ ምዕራብ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝህቀኑ ትንኮያታት ንምክልኻል ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ምድላዉ ኣብ ዘጠናኸረሉ ብርኪ ይዝርከብ – ብ/ጄኔራል ኣለማየሁ ወልዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ግድብ ህዳሴ መሰረት ህላወና ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ዝፍነዉ ትንኮያታትን መጥቃዕቲታትን ንምክልኻል እዚ ምዕራብ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ምድላዉ ኣብ ዘጠናኸረሉ ብርኪ ከምዝርከብ ምክትል ኣዛዚ እቲ እዚ ብርጋዴር ጄኔራል ኣለማየሁ ወልዴ ገሊፆም።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዓወት ንኽዛዘም ሰራዊት ምክልኻል ምድላዊ ኣረጋጊፁ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቶም ጀነራል መኮንን፥ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝኾነ ይኹ ሓይሊ ጠጠው ኣየብሎን፤ ድሕንነት ሰራሕተኛታቱ ብዘተኣማምን ኩነታት ክሕሎ ኢዩ፤ ስራሕቲ ህንፀቱ እውን ብዘይምትዕንቓፍ ንኽሳለጥ በቢብርኩ ዘሎ ኣባል ሰራዊት ምስ ካልኦት ጎናዊ ክፍሊታት ጦር ብምዃን ብቖራፅነት እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ዝቕፅ ሃገራዊ መረፃ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ስራሕቲ ፀፅታ ዘተኣማምን ንምግባር እቲ እዚ ልዑል ምድላው ምግባሩ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.