Fana: At a Speed of Life!

እዞም ጀጋኑ ኣትሌታት ውፅኢት ቅብብል ትውልዲ ነባር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኢዮም-ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዞም ጀጋኑ ኣትሌታት ውፅኢት ቅብብል ትውልዲ ነባር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኢዮም ክብላ ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ ተዛሪበን።

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝግበሩ ውድድራት በዝሒ ሜዳሊያ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ክብ ንክብል ከምዝስራሕ እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን።

ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ኣብ ዝተሳለጠ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌትክስ ዓለም ዘኹርዕ ዓወት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መርሃ ገብሪ እንኳዕ ብደሓን መፃእኹም ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ይሳለጥ ኣሎ።

ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ፥ እዞም ልዑል ዓወት ዘመዝገቡ ጀጋኑ ኣትሌታት ውፅኢት ቅብብል ትውልዲ ነባር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኢዮም ክብላ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ሽማ ልዕል ክብል ዝገበሩ ኣትሌታት ከምዝኾኑ እወን ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.