Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ምስ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲየን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ከምዘፍለጠኦ፥ “ክእረሙ ኣብ ዝግበኦም ጉዳያት ከምኡ እውን ትኹረት ኣብ ዝጠልቡ ጉድለታትና ኣንፈት መፍትሒ ሓሳባት ኣቐሚጥና” ኢለን።

ኣብቲ እዋን ምኽክር፥ ነታ ከተማ ዝምጥን ኣተሓሳስባ ምስራፅ፣ ፅንፈኝነት፣ ፅልኢን ህዝቢ ዝኸፋፍሉ ሽርሒታት ፖለቲካ ብሓባር ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ከምዝተዘተየሎም ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምንካይ ፅዕንቶ ምኽባር ናብራ፣ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ ነበርቲ ዝሕግዙ ፕሮጀክታት ምስፍሕፋሕ ከምኡ እውን ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ቅርታታት ትኹረት ተገይሩ ከምዝስራሕ ኣመልኪተን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.