Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ምስማዕ ምስክርነት ገበን ቅንፀላ ጀነራል ሰዓረን ሜ/ጀነራል ገዛኢን 22 ሰነ 2012 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከይዲ ምስማዕ ምስክርነት ገበን ቅንፀላ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢን 22 ሰነ 2012 ዓ.ም ከምዝጅመር ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ችሎት ገበን ፀረ ግብረራዕዲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከምዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ ብቕትለት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝጥርጠር ኣስራኣለቃ መሳፍንት ጥጋቡ  ዝግበር ከይዲ ምስማዕ ምስክርነት ዓቃቤ ሕጊ ብፕላዝማ ካብ 22 ሰነ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ምስማዕ ክጅመር ኢዩ።

እቲ ጥርጡር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ብዝተቐበሎ ትእዛዝ ክልቲኦም ጀነራላት ቀንፂሉ ኢዩ ብዝብል ኣብ ሕገ መንግስትን ስርዓት ሕገመንግስትን ኣብ ዝግበር ገበን ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ክሲ ከምዝተመስረተሉ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ችሎት ገበን ፀረ ግብረራዕዲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እቲ ተኸሳሲ ካብ 22 ክሳብ 24 ሰነ 2012 ዓ.ም ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ናይ ምስክርነት ቃል ንምስማዕ ቆፀሮ ሒዙ ኣሎ።

ኣብቶም ዝተገለፁ መዓልታት፥ ተኸሳሲ ኣብ ቤት ህንፀት ኮይኑ ጠበቓታት ድማ ኣብ ችሎት ብምዃን ምስክር ናይ ምስማዕ ከይዲ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ፍልፍል፦Ethiopian Broadcasting Corporation

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.