Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ኣፍሪካብ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድልየት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩባንያ ኣፍሪካብ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድልየት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ምስ ሓለፍቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ብስፍሓት ኢንቨስት ብምግባር ዝፍለጥ ኩባንያ ኣፍሪካብ ህንዲ ብምርኻብ ተዛቲዮም።

ዶክተር ኣክሊሉ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝበልዎ፥ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ኣለዉ።

ስለዝኾነ ኩባንያ ኣፍሪካብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕሩይ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ብምጥቃም መዋእለ ንዋዩ እንተፍሲሱ ተረባሒ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ትኹረት ዝተገበረሎም ዓውዲታት ብዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ እቲ ኩባኒያ ኣብዛ ሃገር ኢንቨስተ እንተገይሩ ብመንግስቲ ሓገዝ ከምዝግበረሉ ገሊፆም።

ዳይሬክተር ዕዳጋ ወፃኢ እቲ ኩባኒያ ዶክተር ሼክ ዩሱፋሊ ኢማኒ ብግደኦም፥ ትካሎም ኣብ ታንዛኒያ፣ ኬኒያን ዛምቢያን ብዓውዲታት ማኑፋክቸሪንግ፣ ኮንስትራክሽንን ፋርማሲዩቲካልን ተዋፊሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት መስመር ኤሌክትሪክ ዝውዕል ፍሪያታት ገመድ፣ ትራንስፎርመር፣ መብርሂን መጥፍእን ከምዘፍሪ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ትካሎም በዚ ዓውዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድልየት ከምዘለዎ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.