Fana: At a Speed of Life!

ኩባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ክተጠናኽር ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ክተጠናኽር ከምትደሊ ኣፍሊጣ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ብሩኖ ሮድሪጌዝ ፓሪላ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ብሩኖ ሮድሪጌዝ ፓሪላ፥ ኩባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር ባህሊን ጥንኩር ርክብን ንምጥንኻር ቆራጽ ምዃና ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ንኣይተ ደመቀ መኮንን ከምዝገገለፁሎም፥ ኩባ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ቦታ ከምትህብ ኢዩ።

ብርኪ ክልተኣዊ ርክብና ብኣርኣያ ዝፅራሕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒትር፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መድረኻት በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባረን ከጠናኽራ ከምዝግበአን ኣገንዚቦም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ብግደኦም፥ ኩባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን እናበርከተቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዝርከቡ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ለውጢታት ኣመልኪቶም ነቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ መብርሂ ምሃቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.