Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ።

ስራሕቲ ተቛራፃይነት ብኮርፖሬሽን ስቴት ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ቻይና፤ ኤም ኤች ኢንጅነሪንግ ድማ ብኣማኻሪነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገርጂ ዝህነፅ ዘሎ ብሄራ ስታዲም ኣብ ክልተ ምዕራፋት ተኸፊሉ እናተሃነፀ ይርከብ።

ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ናይቲ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ድማ ኮሚሽን ስፖርት ኢትዮጵያ ምስቲ ትካል ተቛራፂ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ተፈራሪሙ ኣሎ።

ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ስታዲየም ብዜካ ስራሕቲ ምሽፋን ሳዕሪን ትራክ ጉያን ብመሰረት ዝተኣተወ ውዕሊ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ኢዩ።

ኣብ ህንፀት ካልኣይ ምዕራፍ ድማ መፃወቲ ሜዳ ሳዕሪ ምክዳን፣ መዕረፊ ሄሊኮፕተር፣ ዘበናዊ ናይ ድሕንነት ካሜራ ምግጣም፣ ሳውንድ ሲስተም፣ መውሃቢ ግልጋሎት ፓርኪንግ፣ ሜዳታት መለማመዲን ካልኦት ስራሕቲን ከምዘሓውስ ተገሊፁ።

ንህንፀት እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ብር 5 ነጥቢ 57 ቢሊየን ዝተሰለዐ እንትኸውን፥ ህንፀት ናይቲ ስታዲየም ሙሉእ ብሙሉእ ንምዝዛም ድማ ልዕሊ ብር 8 ቢሊየን ወፃኢ ከምዝግበር ካብ ኮሚሽን ስፖርት ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.