Fana: At a Speed of Life!

ካማላ ሃሪስ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ሕፅይቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ብምዃን ዝተመረፃ ሳልሰይቲ ሰበይቲ ኮይነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕፁይ ፕዚዳንት ኣኔሪካ ጆ ባይደን ንካማላ ሃሪስ ሕፅይቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ገይሮም ምምራፆም ኣፍሊጦም።

ብጆ ባይደን ምክትል ሕፅይቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ብምዃን ዝተመረፃ ካማል ሃሪስ፥ ነዚ ቦታ ፈላመይቲ ፀላምን ሓረግ ትውልዲ እስያ ዘለወንን ክኾና ክኢለን።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ሕፅይቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ብምዃን ዝቐረባ ሳልሰይቲ ሰበይቲ ከምዝኾና ኢዩ ዝተሓበረ።

ሴናተር ግዝኣት ካሊፎርኒያን ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ እቲ ግዝኣትን ዝነበራ ካማላ ሃሪስ፥ ኣብ ኣሜሪካ እናተኻየደ ምስ ዝርከብ ተቓውሞ ፀለምቲ ኣሜሪካውያን ተተሓሒዙ፤ ኣብታ ሃገር ለውጢ ንኽግበር ፃውዒት ኣቕሪበን።

ጆ ባይደን፥ “ሕፅይቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ካማላ ሃሪስ ብኢኮኖሚን ብፖለቲካን ብእኹል ኩነታት ንዘይተወከሉ ብዘይፍርሒ ዝቃለሳን ቀዳመይቲ ብርትዕቲ ኣገልጋሊት ህዝቢን ኢየን” ክብሉ ከምዝገለፁወን ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ዘርኢ ሓረግ ትውልዲ ጀማይካን ህንዲን ዘለወን ካማላ ሃሪስ ብግደአን፥ ኣብ ንሕንሕ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ብጆ ባይደን ሕፅይቲ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮይነን ስለዝተሓረያ ሓጎሰን ብምግላፅ፤ ጆ ባይደን ተዓዋቲ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ 2020 ንምግባር ከምዝሰርሓ ተዛሪበን።

ኣብ ታሪኽ ንህንኽ ፕዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ሕፁያት ምክትል ፕሬዚዳንት ኮይነን ቀሪበን ኢየን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2008 ሳራ ፖሊን ንሪፐብሊካን ብምውካል ዝቐረባ እንትኾና፥ ጌራልዲን ፌራሮ ድማ ብ1984 ንዴሞክራት ብምውካል ብሕፁይነት ቀሪበን ከምዝነበራ መዛግብቲ ይሕብሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.