Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካቢኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ካቢኔ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ፥ ዞባ ባሌ ከምባሓዱሽ ናብ ኽልተ ዞባታት ይጣየሽ ብዝብልን ካልኦት ኣብ ዛዕባታትን ብምዝታይ  ውሳነ ብምምሓልላፍ ንኽፀድቁ ናብ ኦሮሚያ ጨፌ መሪሑ።

ቢሮ ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን እቲ ክልል ኣብ ዘቕረቦ መፅናዕቲ፥ ኣብቲ ዞባ ብዘሎ ፀገም መሰረተ ልምዓትን ምርሕሓቕ ቦታታትን ምኽንያት ቅልጡፍ ግልጋሎት ምቕራብ ከምዘይተኽኣለን ንነዊሕ እዋን ፍልፍል ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ኮይኑ ምፅንሑን ተገሊፁ።

እቲ ካቢኔ ነቲ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ዘተ ድሕሪ ምክያድ፥ “ዞባ ባሌ” ዝነበረ፤ ምብራቓዊ ዞባ ባሌን ምዕራባ ዞባ ባሌን ኮይኑ ከምብሓዱሽ ንኽጣየሽ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ርእሰ ከተማ ምዕራባዊ ዞባ ባሌ ከተማ ሮቤ፥ ርእሰ ከተማ ምብራቐዊ ዞባ ባሌ ድማ ከተማ ጊኒር ንኽኾና ዝቐረበ ምኽረ ሓሳብ እውን እቲ ካቢኔ ብሙሉእ ድምፂ ከምዝፀደቖ ተገሊፁ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ፥ ምምሕዳር ልምዓት መኣድን እቲ ክልል ንምውሳንን ፈንድ መገዲታት ኦሮሚያ ንምጥያሽን ኣብ ዝቐረቡ ረቂቕ ኣዋጃት  ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ  ናብ ኦሮሚያ ጨፌ ንኽቐርብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.