Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ካብ ገዛ ወፃእ ኣብ ኩሎም ቦታታት ማስክ ንኽገብሩ ዝድንግግ መምርሒ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴሪኢ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ካብ ገዛ ወፃእ ኣብ ኩሎም ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ናይ ምግባር ግቡእ ዝድንግግ መምርሒ ምፅዳቑ ኣፍሊጠን።

ኣብ ብራዚል ዝነበረ ምዝንጋዕን ዕሽሽታን ልዑል ዋጋ እናኽፈለ ምዃኑ ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕጊ ክጠብቕ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ፅሒፈን።

“ንርእስና፣ ንስድራ ቤት፣ ንወገንን ሃገርን ኢልና ካብ ካልኦት ስሕተት ብምምሃር ጥንቃቐና ነሐይል” ብምባል መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ኩሉ ሕብረተሰብ ድማ ንባዕሉ ክብል ብመንግስቲን ብሰብ ሞያታት ሕክምናን ዝመሓላለፉ ናይ ጥንቃቐ መምርሒታት ብኣግባቡ ንኽትግብርን ንኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ክእዘዝን ፃውዒት ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.