Fana: At a Speed of Life!

ካብ መዳርግቲ ልምዓት ዝርከብ ሃፍቲ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት እግሪ ንምትካል ንምውዓል ዘኽእል ግልፂ ኣሰራርሓ ከምዝትግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ካብ መዳርግቲ ልምዓት ዝርከብ ሃፍቲ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት እግሪ ንምትካል ንምውዓል ዘኽእል ግልፂ ኣሰራርሓ ከምዝትግበር ሚኒስቴር ገንዘብ ገሊፁ።

መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ ስራሕ ፍርቂ ዓመት መሰረታዊ ኣቕርቦት ኣገልግሎት ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋሰው÷ እቲ ኣቕርቦት ብብምምሕያሽን ተሓታትነት ብምንጋሰን ተስፋ ዝህቡ ጅማሮታት ኣለዉ ኢለን።

ይኹን እንበር እታ ሃገር ዘሕለፈቶ ፈታኒ ኩነታት ዜጋታት ብዝበለፀ ተረባሕቲ ንምግባር መዳርግቲ ኣካላት በምውዳድ ክሰርሑ ትፅቢት ከምዝግበር ኣብቲ መድረኽ ተዛሪበን።

ኣብ ቀፃሊ ሚኒስቴር ገንዘበን ዝምልከቶም ኣካላትን ስተራቴጂ ኣፈፃፅማ ብምቕራፅ ምድላዎም ክዛዝሙ ከምዘለዎም ሓቢረን።

እቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብፍትሓውነት ኣብ ኩለን ክልላት ንዘለዉ ዜጋታት ንምብፃሕ መንገስቲ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል  ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊፀን።

ብተወሳኺ ካብ መዳርግቲ ልምዓት ዝርከብ ሃፍቲ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት እግሪ ንምትካል ንምውዓል ዘኽእል ግልፂ ኣሰራርሓ ከምዝትግበር ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.