Fana: At a Speed of Life!

ካብ ቁፅፅር ወፃእ ዝኾነት ናይ ቻይና ሮኬት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ መሬት ከምተዓልብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎንግ ማርች ቢ5 ዝተብሃለት ዓባይ ሮኬት ካብ ህዋ ናብ መሬት እናተሓምበበት ከምዝኾነት ተሓቢሩ።

ኣብ መሬት እንትት ዓልብ ኣበይ ከባቢ ክትዓርፍ ከምትኽእል ንብዙሓት እናተሓሳሰበ እንትኸውን፥ ኣብ ዝቕፅል ቀዳመ ሰንበት ኣብ መሬት ክትዓርፍ ኢያ ዝብል ትፅት ኣሎ።

እታ ዓባይ ሮኬት ናብ ታሕተዋይ ኣየር ንፍቀ ክበብ ንምእታው ኣብ ኣብ ዙሩያ መሬት እናተሸከርከረት ከምትርከብ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ዘውፀአቶ መግልጺ፥ ጉዕዞ እታ ሮኬት እናተኸታተለት ምዃን ትግለፅ እምበር ኣብ ህዋ እንናሃለወት ወቒዓ ናይ ምውዳቕ ትልሚ ከምዘይብላ ገሊፃ።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስተን፥ “ሰብ ኣብ ዘይጉደአሉ ቦታ ክትዓርፍ ኢያ ኢልና ተስፋ ንገብር፤ እዚ ድማ ውቅያኖስ ወይ እውን ካሊእ ቦታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ቻይና፥ ኣካል እታ ሮኬት ናብ ዓለም ለኻዊ ኣካል ማይ ከምትዓልብ ዘለዎም ግምት ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.