Fana: At a Speed of Life!

ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ደገፍ ገንዘብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ዝርከባ 18 ከተማታት ፋይን ናይ ምውዳብ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ደገፍ ገንዘብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ዝርከባ 18 ከተማታት ፋይን ናይ ምውዳብ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ነዚ ንምፍፃም ኤ.ኤች.ሲ ምስ ዝበሃል ኣማኻሪ ትካል ዩጋንዳ ውዕል ብምሓዝ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ገሊፁ።

እቲ ስራሕ ብዋናነት ብኮምፒውተር ዝተሓገዘ ስርዓት ኣተሓሕዛ ፋይል እቶት ትሕዝቶ መሬትን መሰረታዊ እቶት ኣብያተ ማዛገጃን ምጉልባት ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ሃረሪ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ሲዳማን  ድሬዳዋን ኣብ ዝርከባ  18 ከተማታት ውሽጢ 630 ሺሕ ዝኾኑ ፋይላት መሬት ብዕፁው ናይ ምውዳብ ስራሕ ክስራሕ ኢዩ።

ንስራሕቲ ካዳስተር ድልው ንክኸውን ናይ ምግባር ስራሕ ሓዊሱ ፋይላት ስካን ብምግባር መረዳእታ ብኮምፒውተር ብምውዳብ ኣብ ውሽጢ ዳታ ቤዝ ብምእታው ዘመናዊን ቅልጡፍን ኣሰራርሓ ነክህሉ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.