Fana: At a Speed of Life!

ካብ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝተመሓላለፈ ህፁፅ ፃውዒት

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ወራሪ ግብረ ራዕዲ ትህነግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ይፍፅምን ህዝቢ ይቐትል፣ የዋርድ፣ ንብረቱ ይዘርፍ፣ እናዕነወን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ናይ መወዳእታ ናይ ሞትን ሕውየትን ቃልሲ ይገብር ኣሎ።

እዚ ንምምካት ብስሩዕ ሕጊ ምኽባር ጥራሕ ምስዓር ስለዘይከኣል እዚ ዝስዕብ ህፁፅ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

1.ምስ ዝወሃቡ  ኣገልግሎታት ኣድላይነቱ እናተመዘነ ዝውሰን ከምዘለዎ ኮይኑ፥ ዝኾነ ትካል መንግስቲ ስሩዕ ኣገልግሎቱ ኣቋሪፁ በጀት ሓዊሱ ኩሉ ነገር ዝገጠመና ናይ ህልውና ወፍሪ ንምምካት ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ንክረባረብ ተወሲኑ

2. ኩሎም ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ናብ ሓደ ማእኸል ብምትእኽኻብ ንወፍሪ ህልውና ኣገልግሎት ንክውዕል

3. ሰብ ዋና ናይ ውልቀ ተሸከርካሪ ንህልዉና ወፍሪ ምዕዋት ክበሃል ኣብ ዝተደለየ ኩሉ ተሽከርከርቶም ብምሃብ ሓላፊነቶም ንክዋፅኡ ተወሲኑ

4.  በበብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ናይ ህልውና ወፍሪ ተቐቢሉ ዝስለፍ ህዝቢ ወዲቡ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ እናመርሐ ናብ ግንባር ንክዘምት እዚ ኣብ ልዕሊ ዘይገብሩ ኣመራርሓ ሕጋዊ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ተወሲኑ

5. ኩሉ ናይ ውልቀን መንግስትን መሳሪያ ዝተዓጠቐ ንኣገልግሎት ወፍሪ ህልውና ንክውዕል ተወሲኑ። ናይ ውልቀ መሳሪያ ዝተዓጠቐ ነባሪ እቲ ክልል ብዝኾነ ምኽኒያት ኣብቲ ወፍሪ እንድሕር ዘይሳተፍ እቲ መሳርይኡ ብሓደራ ንመንግስቲ ንከረክብ

6.ብደጀንነት ዘሎ ህዝቢ ንህልውና ወፍሪ ዘድሊ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ብምቕራብ ውፅኢታዊ ስራሕ ክሰርሕ፣ በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ እውን ኣቕርቦቱ ዝተሳለጠ ንክኸውን ኣድላዪ ንክፍፅም ተወሲኑ

7. ንህልውና ወፍሪ ተቐቢልካ ኣብ ግንባር ካብ ዝተሰለፉ ወፃእ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ነባሪ እቲ ክልል በቢከባቢኡ ተወዲቡ ፀጥታ ከባቢኡ ንክሕሉ፣ ፀጉረ ልውጣትን ሸሊኾም ዝኣተዉን ንኽከታተልን ንሓይሊታት ፀፅታ ኣሕሊፉ ክህብን ንህልውና ወፍሪ ግድኡ ክዋፃእ

8. እቲ ወፍሪ ህልውና ውፅኢታዊ ንምግባር ኣብ ዝግበር ምንቅሳቓስ ነቲ ቃልሲ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ዕናቅፋት ዝኾን ሰብ ወይ ጉጅለ በቢብርኩ እናተወሰነ ሐይሊ ፀፅታ ኣድላዪ ስጉምቲ ንክወስድ ተወሲኑ

9. ዝተፈላለዩ  አገልግሎታት ንክህቡ ካብ ዝተፈቐደሎም ትካላት ወፃኢ ኣብ ኩሎም ከተማታት ካብ  2፡00 ምሸት ንደሓር ምንቅስቓስ ኣይከኣልን

እዞም 9 ኣገደድቲ ውሳነታት ዝርዝር ኣፈፃፅማ ብዝምልከት ብብርኪ ክልል ብዝተጣየሸ መምርሒ ወፍሪ ኣብ ዝቕመጥ አሰራርሓ ዝውሰን ይኸውን።
21 ጥቅምቲ  2014 ዓ.ም

ባህር ዳር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.