Fana: At a Speed of Life!

ካብ ኢትዮጵያውያን ወፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስን ካሊእ ምድራዊ ሓይሊ የለን – ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኢትዮጵያውያን ወፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስን ካሊእ ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየለ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሰ ገሊፆም።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ቀዋሚ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያን ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሰ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘሰናድኡዎ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ መፃኢ ዕድልን ጉዕዞን ሃገሮም ንምውሳን ሕጋዊ ሓይሊን ሉኣላዊነትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም።

ኣምባሳደርታየ እዚ ዝበሉ፥ ማሕበር ሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ትካል ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ብምትሕብባር፤ ብምኽንያት ወራር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝተመዛበሉ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምትእኽኻብን ኣብ ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ ኢዩ።

ኣምባሳደር ታየ ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኩሎም ሃገሮም ትርከበሉ ኩነታት ብዝተማልአ ኩነታት ብምግንዛብ ዕዙዝ ጥበብ ብምርኣይ ሃገሮም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስጋር ብትግሃት ንኽሰርሑ ፀዊዖም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋ ብግደኦም፥ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ቅድሚ ሕዚ ንተመዛበልቲ ዝገበሩዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 500 ሺሕ ዶላር ዝኸውን ሓገዝ ከምዝገበሩን ኣብ ቀፃሊ እውን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉን ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.