Fana: At a Speed of Life!

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባንኮክ እናተጉዓዓዘ ዝነበረ 4 ኪሎ ግራም ኮኬይን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ናብ ርእሰከተማ ታይላንድ ባንኮክ እናተጉዓዓዘ ዝነበረ 400 ሺሕ ዶላር ዘውፅእ ኣርባዕተ ኪሎ ግራም ኮኬይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከምዝገለፆ፥ ትማሊ ሰዓት ሸውዓት ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣርባዕተ ኪሎ ግራም ዘምዘን ኮኬይን ዝተብሃለ መዐወኒ ሓሺሽ ኣብ ውሽጢ ዘይሰርሕ ላፕቶፕ ሓቢኡ ንምሕላፍ እንትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ክኢሉ ኢዩ።

ተጠርጣሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ባንኮክ ንምውሳድ እንትፍትን ብኤክስሬይ ፍተሻ ኣቢሉ ዝተትሓዘ እንትኸውን፥ ኣብቲ ተግባር ገበን ተሓባበርቲ ኢዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ካልኦት ሰለስተ ውልቀ ሰባት እውን ኢድ ንኢደድ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ኣብቲ ተግባር ገበን ዝተሳተፉ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲን እቲ መዕወኒ ሓሽስን፥ ንተወሳኺ ምርመራ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዲፓትመንት ምርመራ መዕወኒ ሓሽሽ ከምዝተለኣኸ ተሓቢሩ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን፥ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባር ዝውውር መዐወንቲ ሓሽሻት ንምቁፅፃር ብመፅናዕቲ ዝተሓገዘ ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብቲ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.