Fana: At a Speed of Life!

ደሴ ንምሓዝ ተሃንዲዱ ዝመፅአ ወራሪ ሓይሊ ብምምካት ዘኹርዕ ተጋድሎ ይፍፀም ኣሎ- ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ) ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ  ኣብ እዋናዊ ሀገራዊ ኩነታትብምድሃብ መግለፂ ሂቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር እናተመርሐ ወራሪ ጉጅለ ራዕዲን ዘሰለፎ መንጋን እናመከተ ዝርከብ መላእ ሓይሊ ፀጥታና ስጉምቲ ፀረ ምጥቃዑ ቀፂሉ ኣሎ።

ብፍላይ ደሴ ንምሓዝ ኣሰሊፉ ዘምፅኦ ወራሪ ሓይሊ ብምምካት ዘኹርዕ ተጋድሎ ይፍፅም ኣሎ።

ለይቲ ሙሉእ ካብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ፀራሪጉ ብምትእኽኻብ ደሴ ንምሓዝ ብኩታበር፣ ቦሩ ስላሴን ሃየቂን መስመር ዝመፅአ ወራሪ መንጋ ሓይሊ ፀጥታና ብልዑል ዓወት መኪቱዎ። ሐዚ እውን ደሴን ከባቢኣን ኣብ ኢድ ሓይሊ ፀጥታና ኢያ።

ቅድም ኢሎም ስደተኛ ብምምሳልን ወታደራዊ ኣልባሳት ሰራዊት ምክልኻልና ብምኽዳንን ክዘርፉ ዝፈተኑን እቶም ጉጅለታት ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ነቲ ሓይሊ ጥፍኣት ዝሰርሑ ባንዳታት ካብ ትማለ ጀሚሩ ዕላማ እቲ ጁንታ ንምፍፃም ካብ ግንባር ውግእ ብዘይነኣኣስ ክሰርሑ ውዒሎም ኢዮም።

መናእሰይ ደሴን መላእ ሓይሊ ፀጥታን እቲ ሓይሊ ብዝተወደበ መገዲ ይምክትዎ ኣለዉ። መናእሰይ እታ ከተማ እውን ብዝጀመርዎ መገዲ ከተመኦም ካብ ባንዳ ናይ ምሕላው ተግባር ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ።

ዘለዎ ሓይሊ ኩሉ ኣተኣኻኺቡ በቲ ግንባር ዘምፅኦ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ግንባር ኩይናት ዝሰኣኖ ብወረ ንምርካብ ሐዚ እውን ምዕግርጋሩ ቀፂሉ ኣሎ።

ዝተወሰኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ እውን ናይቲ ጉጅለ ራዕዲ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ የቃልሑ ኣለዉ።

ይኹን እንበር ብወረ ዝተሓዝ ከተማ የለን ክህሊ እውን ኣይኽእልን ብምባል መላእ ህዝቢ ኣብ ክሊ ከተማ ደሴ ንዝለዓል ወረ እዝኒ እንተይሃበ ሐዚ እውን ህልውና ሃገሩ ንምኽባር ዝገብሮ ተጋድሎ ቀፂሉ ኣሎ።
በዚ ኣጋጣሚ ብፍላይ ዘይተፃረየ ሓበሬታ ብምሓዝ ህዝቢ ንምርዓድ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉን ናይቲ ጉጅለ ራዕዲ መጋበሪያ ዝኾኑን ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ መንግስቲ የተሓሳስብ።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.