Fana: At a Speed of Life!

ካብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ 42 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2014 ካብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ዘይቲ 42 ነጥቢ 75 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 42 ነጥቢ 85 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተሓሲቡ 42 ነጥቢ 75 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ፍርያትን ፍርያታውነትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ንምድንፋዕ ኣብ ምፍራሕ ንዝርከቡ ፋብሪካታት ብዝተገበረ ጥንኩር ክትትልን ሓገዝን 99 ነጥቢ 8 ሚቺታዊ ትልሚ ምዕዋት ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

ፍርያታውነት እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ኣብ ምፍራይ ንዝርከቡ 14 ፋብሪካታት ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ንዝርከቡ ሰለስተ ፕሮጀክታት ክትትልን ሓገዝን እናተገበረ እንትኸውን፥ ፀገም ቀረብ እታወት ንምፍታሕ ንኣፍረይቲ ዘይቲ ፋብሪካታት 35 ሺሕን 742 ጦን ድፍድፍ ዘይቲ ከምዝቐረበ ኣብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ዳይሬክተር ኢንዱስትሪ ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ፋርማሲዩቲካልን መፅናዕቲ ክትትልን ሓገዝን ኣይተ ኣለሙ ሎቤ ምግላፆ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.