Fana: At a Speed of Life!

ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ሚኒስቴር ጥዕናን ሚኒስቴር ሕርሻን ብሓባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብብርኪ ዓለም ን6ይ ግዘ፤ ብብርኪ ሃገር ድማ ን4ይ ግዘ ዝኽበር ናይ ሎሚ ዘበን በዓል መዓልቲ ጥዕና (One Health Day) ኣብ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን መንግስታዊ ዘይኾኑ ትካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዝተፈላለዩ ኩነታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስመዐዖ መደረ÷ መሪሕ እቲ በዓል መዓልቲ ጥዕና ተግባራዊ ኣብ ዝግበረሉ ዓላማ ኣብ ሰብን እንስሳን ዝፍጠሩ ፀገማት ጥዕና ተተሓሓዝነት ከምዘለዎም ግንዛበ ንምሃብ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ጥዕና ሕብረተሰብ ዝህውኹ ፀገማት ካብ ምቕራፍ ኣንፃር ብሚኒስቴር ሕርሻ ብብርኪ ሃገር ሕማም ከልቢ ንምክልኻል እናተገበረ ዘሎ ወፍሪ ክታበት ንኢደን።

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ዶክተር ፍቅሩ ረጋሳ ብግደኦም÷ ሚኒስቴር ሕርሻ ካብ እንስሳ ናብ  ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብሓባር ብምውዳድ ኣብ መሪሕ በዓል መዓልቲ ጥዕና እናስርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ኣግልግሎት ጥዕና እንስሳት ዶክተር ሲሳይ ጌታቸው÷ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝርከብ ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.