Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወፃኢ ዓድታት ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ሰባት ተመዝጊቦም ናይ ምምማይ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ – ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወፃኢ ዓድታት ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ሰባት ተመዝጊቦም ናይ ምምማይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ከም ዝገለፅዎ፥ ብመሰረት ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለዋ ወረዳታትን ዞባታትን ዝርከባ ኩለን ትካላት ጥዕና ካብ 22 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ስራሕቲ ምዝገባን ምምማይን እናተሰርሐ ይርከብ።

ካብ 1 ክሳብ 20 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተዉ ሰባት ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርከባ ትካላት ጥዕና ተመዝጊቦም ዝተመመዩ፥ ኣብ ዞባ ምዕራብ 102፣ ዞባ ሰሜን ምዕራብ 78፣ ዞባ ማእኸል 468፣ ዞባ ምብራቕ 236፣ ዞባ ደቡብ ምብራቕ 219፣ ዞባ መቐለ 81 ብድምር 1366 እዮም።

ካብቶም ዝተመመዩ ሰባት፥ ኣብ ዞባ ምብራቕ ምስ ምልክታት ሕማም ቫይረስ ኮረና ዝመሳሰል ምልክት ዝተርአዮም ሰለስተ ሰባት ምህላዎም ዶክተር ሓጎስ ወሲኾም ሓቢሮም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.