Fana: At a Speed of Life!

“ካብ ዘለኒ ነክየ ንምኸተ”

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ “ካብ ዘለኒ ነክየ ንምኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም።

ነባር ጉዱኣት ኣካል፣ ተሃድሶ ጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ማእኸላት ልምዓት ተጎዳእቲ ማሕበራዊ ፀገማትን ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ሓገዝ ገይሮም።

ነባር ጉዱእ ኣካል ሓለቓ ሚኢቲ ጥላየ ሽፈራው ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ማእኸሎም ካብቶም ጉዱኣት ኣካል ናይ እንቋቑሖ፣ ፀባን ስጋን ወፃኢ ነክዮም 239 ሺሕን 741 ብር ሓገዝ ገይሩ ኢዩ።

ንህላወ ኢትዮጵያ እናተቓለሰ ዝርከብ ጅግና ሰራዊት ምክልኃል ሓገዝ ምግባሮም ከምዘሐጎሶም እውን ገሊፆም።

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንሰራዊት ምክልኻል ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብተመሳሳሊ ማእኸል ተሃድሶ ኣረጋውያንን ማእኸላት ልምዓት ተጎዳእቲ ማሕበራዊ ፀገማትን ብሓባር ብምዃን 263 ሺሕን 715 ብር ሓገዝ ገይሮም።

ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣዲስ ኣበባ ብግድኡ ንሰራዊት ምክላኻል 20 ሚለየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

ሃገር ከፍርስ ኢየ ኢሉ ዝተበገሰ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሰራዊት ምክልኻል፣ ሚሊሻ፣ ሓረስታይን መንእሰይን ኣብ ግምባር ተሰሊፎም እናተቓለሱ ከምዝኾኑ እቶም ሓገዝ ዝገበሩ ኣካላት ገሊፆም።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ዝተረከቡ ተወካሊ ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል ኮሎኔል ተስፋዬ መኮንን፥ ንኹሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.