Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዞባ መተከል ተመዛቢሎም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ሺሕ ዜጋታት ኣብ 4 ማእኸላት ምንባር ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዞባ መተከል ተመዛቢሎም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ሺሕ ዜጋታት ይነብሩሉ ናብ ዝነበረ ማእኸል ወረዳ ከምዝተመለሱ ተገሊፁ፡፡

እቶም ተመዛቢሎም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ሺሕ ዜጋታት ይነብሩሉ ኣብ ዝነበሩ ወረዳ ኣብ ዝተመሩ ማእኸላት ከምዝተመለሱ ጉጅለ ክትትልን ድጋፍን ሚኒስቴር ሰላም ኣረጋጊፁ፡፡

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልላት ኣምሓራን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ብምዃን፥ ምስ ተመዛበልቲ ብዝገበሩዎ ተደጋጋሚ ዘተ ናብ ዝተሰናደአሎም ማእኸላት ተመሊሶም ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ተመዛበልቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣርባዕተ ማእኸላት ማለት እውን ኣብ ደንጉር፣ ቡለን፣ ድባጤን ማንዱራን ምንባር ምጅማሮም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.