Fana: At a Speed of Life!

ካብ ጀሞ 2 ክሳብ ጀኔራል ዊንጌት ዝህነፅ መገዲ ኣብቶብስ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ጀሞ 2 ክሳብ ጀኔራል ዊንጌት ዝህነፅ መገዲ ኣብቶብስ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እቲ ህንፀት መገዲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ኣጀሚረምዎ።

እቲ መገዲ 20 ኪሎሜትሮ ዘለዎ እንትኸውን፥ ናብ ክልተ ኣንፈት ዝዝርጋሕ ኢዩ።

ኣዲስ ከተማ፣ ልደታ፣ ቂርቆስን ኮልፌን ኣብ ዘለዉ ቦታታት ደው መበሊ ኣብቶብስ ከምዝህልውዎ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ትራንስፖርት ንምፍታሕ ምዝማንን ምምዕባልን ብዙሃን ትራንስፖርት ትኹረት ብምግባር ከምዝስራሕ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ኩባኒያ ፈረንሳይ ክሃንፆ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.