Fana: At a Speed of Life!

ካብ ፑሽኪን ኣደባባይ -ጎፋ ማዞርያ- ጎተራ ማሳለጫ ዝህነፅ ዘሎ መገዲ 77 ሚኢታዊ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ካብ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ኣደባባይ -ጎፋ ማዞርያ- ጎተራ ማሳለጫ ዝህነፅ ዘሎ መገዲ 77 ሚኢታዊ ተዛዚሙ።

እቲ መገዳ ካብ መነግስቲ ቻይና ብዝተረኸበ ልቓሕ 1 ነጥቢ 5  ቢሊየን ብር ኢዩ ዝህነፅ ዘሎ።

ኣብ 2012 ዓ.ም ዝተጀመረ እንትኸውን ኣብ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ንምዝዛም ተሓሲቡ ኢዩ ዝህነፅ ዘሎ ተባሂሉ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ኢያሱ ሰለሞን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ እቲ መገዲ 3 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ።

ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ 77 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝዛም ንትራፊክ ክፍቲ ከምዝኸውን ድማ ተገሊፁ።

ብሲሳይ ጌትነት

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.