Fana: At a Speed of Life!

ካብ 1 ሺሕን 300 ሲ ሲ ንታሕቲ ንዝኾና ተሽከርከርቲ ዝውሰን መጠን ታክሲ ናብ 5 ሚኢታዊ ክወርድ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕያሽ ኣብ ዝተገበረሉ ረቂቕ ኤክሳይዝ ታክስ ኣብ ልዕሊ ሓደሽቲ ተሽከርከርቲ ዝንበር መጠን ታክሲ ካብ 30 ሚኢታዊ ናብ 5 ሚኢታዊ ክቕንስ ተገይሩ።

ሚኒስቴር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣብቲ ዝተመሓየሸ ኤክሳይዝ ታክስ ኣድሂቡ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ፥ ካብ 1 ሺሕን 300 ሲ ሲ ንታሕቲ ንዝኾና ተሽከርከርቲ ዝውሰን መጠን ታክሲ ካብ 30 ሚኢታዊ ናብ 5 ሚኢታዊ ክወርድ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ውሳነ ድማ ዋጋ ተሽከርከርቲ ክሳብ 83 ሚኢታዊ ክቕንስ ከምዝገብር ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሲጋራን ኣልኮላዊ መስተን ዝተነበረ መጠን ታክሲ ትሑት ኢዩ ዝብል ርእይቶ ከምዝቐረበ ብምሕባር፥ ኣብ ልዕሊ ሲጋራ ተወሳኺ ታክሲ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብቲ ረቂቕ ተቐሚጡ ካብ ዝነበረ 35 ሚኢታዊ ናብ 36 ሚኢታዊ ክብ ክብል ተገይሩ ኣሎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ እቲ ዝቐረበ መመሓየሺ ረቂቕ ብምርኣይ ኣብ ቀረባ እዋን ከፅድቖ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ድማ ዶክተር ኢዮብ ተዛሪቦም።

 

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.