Fana: At a Speed of Life!

ካፒታል ኔዳምኮ ኣብ ዓውዲ ቴክነኖሎጂ 10 ሺሕ መናእሰይ ናይ ምስልጣንን ናብ ስራሕ ናይ ምእታውን ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካፒታል ኔዳምኮ ዝተብሃለ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ኔዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘፈር ቴክነኖሎጂ 10 ሺሕ መናእሰይ ናይ ምስልጣንን ናብ ስራሕ ናይ ምእታውን ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማሪያም ምስ ተወከልቲ ካፒታል ኔዳምኮ ተዛትየን።

እቲ ኩባኒያ ብፍላይ ድማ ብዓውዲታት ቴክኖሎጂ ክላውድን ክፍሊት ስልኪ (ሞባይልን) 10 ሺሕ ንዝኾኑ መናእሰይ ኣሰልጢኑ ናብ ስራሕ ናይ ምእታው ዘለዎ ድልዉነት ብዝምለከት እቶም ተወከልቲ እብቲ እዋን ዘተ ኣብሪሆም።

ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን፥ ትልሚ ካፒታል ኔዳምኮ ንምዕዋት ተሓጋጊዙ ንምስራሕ ድልዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ 55 ሃገራት ዓለም ተዋፊሩ ዝርከብ ካፒታል ኔዳምኮ፥ ኣብ ዓውዲታት ሶፍትዌር፣ ሓለዋ ጥዕናን ሓበሬታ ቴክኖሎጂን መዋእለ ንዋይ ብምስላዕ ዝሰርሕ ኩባኒያ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.