Fana: At a Speed of Life!

ኬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ሕውነት ትኹረት ከምእትህብ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ህዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ሕውነት ትኹረት ከምእትህብ ገሊፃ።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬኒያ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካን ሕብረት ኣፍሪካን ኣምባሳደር ጆርጅ ኦሪና ምስ ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ኬኒያ ኣይተ መለስ ኣለም ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ኦሪና ናብቲ ሓላፍነት ካብ ዝመፅኡ ንደሓር ብቐዳምነት ዘዘራረብዎ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ከመዝኾነ ብምሕባር፥ ከልቲአን ሃገራት ዝተሓባበራሎም ዓውዲታት ውፅኢታዊ ንክኾኑ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ሕውነት ትኹረት ከምእትህብ እውን ገሊፆም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብግደኦም፥ ወደብ ላሙ፣ ኬላ ኣገልግሎት ሓደ መሽኮት ሞያሌ ንክዛዘሙ ብምግባር እቲ ሕውነት ዘላቒ ምግባር ከምዝከኣል ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.