Fana: At a Speed of Life!

ኬንያ ብምኽንያት ሕፅረት ኦክሲጅን መጥባሕቲ ምግባር ከምዘቋፀት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘዓበየ ሪፈራል ሆስፒታል ኬንያታ ሆስፒታል ብምኽንያት ሕፅረት ኦክስጅን ሕክምና መጥባሕቲ እናናወሐ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ እቲ ሆስፒታል ኣቫንሰን ካሪ፥ ቀረብ ኦክሲጅን ክሳብ ዝስተኻኸል ሕክምና መጥባሕቲ ከምዝተቛረፀ ተዛሪቦም፡፡

ሀላፊው አክለውም ድንገተኛ ቀዶ ጥገና ከካንሰር ጋር የተገናኘ ወሊድና መሰል ወሳኝ ቀዶ ጥገና የሚያስፈልጋቸውን ግን እየሰራን ነው ብለዋል

ይኹን እምበር ህፁፅ ኣገልግሎት ሕክምና መጥባሕቲ ዘድልዮም ከም ሕማም ካንሰርን ወሊድን ዝበሉ ወሰንቲ መጥባሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

እቲ ሆስፒታል ከምዝሓበሮ፥ ቁፅሪ ተሓከምቲ ብምውሳኹን ኦክሲጅን ዘድሊዮም ስለዝኾኑን ኣብ መዓልቲ 4 ሺሕ ሊትሮ እናተጠቐመ ዝነበረ ናብ 8 ሺሕ ሊትሮ ወሰኽ ገይሩ ኢዩ፡፡

200 ተሓከምቲ ኣብ ክፍሊ ፅኑ ህሙማት እንትኾኑ፥ እቶም 53 ሰባት ብኣርቴፊሻል መተንፈሻ መሳሒ እናተሓገዙ ዝትንፍሱ ኢዮም፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.