Fana: At a Speed of Life!

ክልል ሶማሌ ንግዕዝይና ተቓላዕቲ ዝኾኑ ናይ ውልቀን ናይ ሓባርን ንብረታት ንኻሊእ ወገን ከይመሓላለፉ ኣጊዱ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሸ ኮሚቴ ክልላዊ ኮሚቴ ፀረ-ግዕዝይና÷ ናይ ውልቀን ናይ ሓባርን ንብረት ንኻሊእ ወገን ከይመሓላለፉ ብግዚያውነት ምእጋዱ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴ ልኡኽትኡ ንኽዋፃእ ማሕለኻ ክኾኑ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣመልኪቱ ፈላማይ ኣኼቡኡ ብምክያድ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ግዕዝይና ንምክልኻልን ምስዚ ተተሓሓዝቲ ዝኾኑ ጉዳያት ብዕምቆት ንምምርማር ዝሕግዙ ንኡሳን ኮሚቴታት ንምጥያሽ ዝከኣለሉ ኩነታ ከምዝዘተየ ኣብሪሁ፡፡

ብምዃኑ ኣብቲ ክልል ኣብ ተግባራት ግዕዝይና ክትትልን ምርመራን ብምግባር ንግዕዝይና ተቓላዕቲ ዝኾኑን ምስ ንብረት ዝተተሓሒዙ ጉዳያ ንግዚኡ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.