Fana: At a Speed of Life!

ክልል ትግራይ ብዘቕረቦ ድሌት መሰረት ብምግባር ሚኢቲ ሚኢታዊ ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝቐረበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ትግራይ ብዘቕረቦ ድሌት መሰረት ብምግባር ሚኢቲ ሚኢታዊ ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝቐረበ ተገሊፁ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ ኣብ እዋን ዘርኢ ድልዩ እታወታት ሕርሻ ብእኹል መጠን እናቐረበ ከምዝርጀብ ሚኒስቴር ሕርሻ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ዕድጊትን እታወትን ሕርሻ ኣይተ መንግስቱ ኣሰፋ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ክልል ዝርከበሉ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ግምት ብምእታው ስራሕቲ ሕርሻ ክቕፅል ንምግባር ትኹረት ሂቡ ይስራሕ ኣሎ።

ብፍላይ ሓረስቶት ኣብ እዋን ዘርኢ ዝረአ ዘድሊ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ሚኢቲ ሚኢታዊ ዕድጊት ተዛዚሙ ናብቲ ክልል ተበፃሒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኩሎም ክልላት እታወታት ሕርሻ ብእዋኑን ብእኹል ኩነታትን ንምቕራብ ተሃቂኑ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ዓመት ካብ ኩለን ክልላት ብዝተኣከበ ድሌት መሰረት ብምግባር 18 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኩንታል መዳበሪያ ከምዘድሊ ምፍላጥ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ካብ ሞንጎ እዚ ክልል ትግራይ 800 ሺሕ ኩንታል የድሊየኒ ኢሉ ብዘቕረቦ ጠለብ መሰረት ብምግባር ብፍሉይ ኩነታት ሚኢቲ ሚኢታዊ ክቐርብ ከምዝተገበረ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.