Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኦሮሚያ ብ4 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር 107 ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ብ4 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር 107 ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ኮንትራክተራት ተፈራሪሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ክታሞም ዘንበሩ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ዶክተር ቶላ በሪሶን፥ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ካብቲ ዝነበረ ብዝተፈለየ ኩነታት ሎሚ ዘበን ነህንፀት ዝኸውን 4 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብ%ር ከምዝሰለዐ ገሊፆም።

እዚ ድማ በፍልጠት ዝተሃነፀ ትውልዲ ንምፍጣር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ 7 ክሳብ 8 ኣዋርሕ ብምዝዛም ን2014 ዓ.ም ድልዊ ከምዝግበር ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቶም ኮንትራክተራት ነዚ ፈሊጦም ዝኣተውዎ ውዕል ንክፍፅሙ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.