Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኦሮምያ ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ኢንተርፕራይዝን ኢንዱስትሪ ልምዓት ክልል ኦሮምያ ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራ ምፍጣሩ ገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ አይተ ማትዮስ ሰበቃ  ኣብ ገምጋም ዓመታዊ አፈፃፅማ ስራሕ በጀት 2013 ዓ/ም ከም ዝገለፅዎ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ/ም ንሓደ ሚሊየንን 250 ሽሕ ዜጋታት ስራሕ ንምፍጣር ዝተተለመ እንትኸውን ልዕሊ ትልሙ ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ እዩ ኢሎም።

ብር 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ንስራሕ ዕድል ፈጠርቲ ልቓሕ ዝተውሃበ እንትኸውን እቲ 52 ሚኢታዊ ኣብ ዘፈር ግብርና ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡

እቶም ምክትል ሓላፊ ከምዝበልዎ፥ ኣፍቲ ዕድል ስራሕ 70 ሚኢታዊ መናእሰይ ተጠቀምቲ እንትኾኑ ካብኣቶም 32 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ አንስትዮ እየን።

ኣብ ዓመታዊ አፈፃፅማ በጀት 2013 ዓ/ም ዝነበሩ ድኽመታትን ዓወታትን ብምርአይ ንበጀት ዓመት 2014 ብር 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዓመታት ዝተተለመ እንትኸውን በጀት ዓመት 2013 ካፍቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝበለፀ አፈፃፅማ ዝተርአየሉ ዓመት ከም ዝነበረ ገሊፆም።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ መናእሰይን ደቂ አንስትዮን ካብ ዝተፈላለየ ማሕበራት ዝመፁ እንትኾኑ ዝተፈላለዩ ሕቶታት አቅሪቦምን ተዛትዮምን እዮም ክብል ኢፕድ  ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.