Fana: At a Speed of Life!

ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ካልኣይ ዙር ልዕሊ 66 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣  28 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንሰራዊት ምክልኻል ካልኣይ ዙር ልዕሊ 66 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ።

ኣካቢት ኮሚቴ ምትእኽኻብ ደገፍ እቲ ክልል ወይዘሮ ፋጤ ሰርሞሎ፥ ካብቲ ክልል ዝተኣከበ ልዕሊ 40 ሚሊየንን 243 ሺሕ ብር ብጥረ ገንዘብ፣ ልዕሊ 26 ሚሊየንን 697 ሺሕ ብዓይነት ብድምሩ 66 ሚሊየንን 935 ሺሕን ብር ዝግመት ደገፍ ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ብዓይነት ካብ ዝተኣከበ ኣታዊ 336 ሰንጋ፣ 55 ኣባጊዕ፣ 279 ኣጣል ከምኡውን ምግብን ናውቲታትን ተጠቀስቲ ኢዮም ኢለን።

እቲ ብጥረ ገንዘብን ዓይነትን ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፀን ካብ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.