Fana: At a Speed of Life!

ክልተ ሰገናት ዓጊቱ ገንዘብ ዝሓተተ ውልቀ ሰብ 25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተበይኑሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ማእኸል ጎንደር ወረዳ ጠገዴ ክልተ ሰገናት ካብ ምጉሳይ ከፍቲ ዓጊቱ ገንዘብ ዝሓተተ ውልቀ ሰብ 25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተበይኑሉ።

አገሬ የኋላሸት ዝተብሃለ ተኸሳሲ፥ ሁናቸው ማስረሻ ንዝተብሃለ ወዲ 17 ዓመት ሰገን 4 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም ኣብ ጣቢያ ኣዴት ከፍቲ እናሓለወ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዓጊቱ፤ ብር 30 ሺሕ ንኽወሃቦ ሓቲቱ 20 ሺሕ ከምዝተቐበለ ኣብቲ ክሲ ተመልኪቱ።

መልካሙ ጣምያለው ዝተብሃለ ወዲ 7 ዓመት ካሊእ ህፃን ድማ 7 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ካብ ጣቢያ ኣዴት ብምዕጋት ብር 75 ሺሕ ሓቲቱ ብር 15 ሺሕ ከምዝተቐበለ ኣብቲ መዝገብ ክሲ ተገሊፁ።

እቲ ውልቀሰብ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ንጥሜት፣ ፃምእን ምንግልታዕን ክቃልዑ ብምግባር ብዝብል ብዓቃቢ ሕጊ ክሲ ተመስሪቱሉ ኢዩ።

እቲ ተኸሳሲ ብግድኡ፥ ገበን ፈፂምካ ኣብ ዝተብሃለሉ ዕለት ኣብ ኣዲስ ኣበባን መተማን ከምዝነበረ ብምሕባር ገበን ኣይፈፀምኩን ኢሉ ብምኽሓድ ተኻቲዑ።

ዓቃቢ ሕጊ እውን ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ብምቕራብ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣስሚዑ ኢዩ።

ቤት ፍርዲ ተኸሳሲ መከላኸሊ ንኸቕርብ ዝፈቐደሉ እንትኸውን፥ ተኸሳሲ ግን መረዳእታ ከምዘይብሉን ብናይ ዓቃቢ ሕጊ መረዳእታ ውሳነ ንኽወሃቦን ሓቲቱ።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ጠገዴ ብግድኡ፥ ንተኸሳሲ ገበነኛ ክብል ውሳነ ከምዝመሓላለፈ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ቤት ፍርዲ መኽበዲ ቅፅዓት ዓቃቢ ሕጊ ብምቕባልን መቕለሊ ቅፅዓት ተኸሳሲ ውድቂ ብምግባርን፥ እቲ ገበን ኮነ ኢሉ ብስሰዐ፣ ብመሳርሒ ኲናት ብምፍርራሕ፣ ንገንዘብ ካብ ወዲሰብ ዝዓበየ ብምግባር ከምኡ እውን ብተደጋጋሚ ዝተፈፀመን ንህፃናት ንጥሜት፣ፃምእን ምንግልታዕን ንኽቃልዑ ከምዝገበረ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ ተኸሳሲ ብ25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፃዕ ተበይኑሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.