Fana: At a Speed of Life!

ክልተ ፍቓዳት ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ መሕትት መወዳደሪ ሓሳብ ጨረታ ወፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ክልተ ፍቓዳት ብሄራዊ ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ መሕትት መወዳደሪ ሓሳብ ጨረታ ወፂኡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ውድድር ፍትሓዊ ንክኸውን ዘኽእል ከይዲ ብምዝዛም ፍቓዳት ብሄራዊ ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ንምሃብ ዘኽእል ሰነድ መሕትት መወዳደሪ ሓሳብ ጨረታ ከምዝወፅአ ገሊፆም።

እቲ ጨረታ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ቅድመ ሐዚ ድልየት ዘርኣዩ ሓዊሱ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ነክሳተፉ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኢንጅነር ባልቻ ሬባ ብግደኦም፥ ፍቓዳት ብኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ንምሃብ ዝግበር ስራሕ ብጥንቃቐ ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ሰነድ እውን ኣብ ድረ ገፅ እቲ በዓል መዚ ከምዝርከብን ኣብ ቀረባ እዋን ብብርኪ ዓለም ተበፃሒ ሕትመት ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.