Fana: At a Speed of Life!

ክርስቲያኖ ሮናልዶ ሽልማት ክብሪ ብሉፅ ተፃዋታይ ዱባይ ሶኮር ግሎብ ዓመተ 2019 ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርቹጋላዊ ኣጥቃዒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጁቬንቱስ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ሽልማት ክብሪ ብሉፅ ተፃዋታይ ዱባይ ሶኮር ግሎብ ዓመተ 2019 ተዓዊቱ።

ተዓዋታይ ዋንጫ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሊቨርፑል ድማ ብሉፅ ጋንታ ዓመተ 2019 ብምዃን ተሸሊሙ።

ኣሰልጣኒ የርገን ከሎፕ ድማ ዝበለፀ ኣሰልጣኒ ብምዃን ተዓዊቱ።

ሮናልዶ ኣብ ዓመተ 2011፣ 2014፣ 2016፣ 2017 ን 2018 ተመሳሳሊ ሽልማት ክብሪ ብሉፅ ተፃዋታይ ዱባይ ሶኮር ግሎብ ብምዃን ምዕዋቱ ይዝከር።

ፍልፍል፦thestatesman

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.