Fana: At a Speed of Life!

ክርስቲያኖ ሮናልዶ ናብ ጋንታ ስዑድ ዓረብ ኣል ናስር ንምፅምባር ምስምዕምዑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖርቹጋላዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምጥቃዕ  ክርስቲያኖ ሮናልዶ ናብ ጋንታ ስዑድ ዓረብ ኣል ናስር ንምፅምባር ምስምዕምዑ ይንገር ኣሎ።

ፀብፃብ ሚረርን ደይሊ ሜይልን ከምዝሕብሮ÷ ሮናልዶ ኣብ ዓመት 173 ሚሊየን ዩሮ ከምዝኽፈሎን እዚ ድማ ሮናልዶ ክባር ተኸፋሊዓለምና ከምዝገብሮን ተገሊፁ።

ሮናልዶ ምስ ፔርስ ሞርጋን ዝገበሮ ኣካታዒ ቃለ መሕትት ስዒቡ ካብ ጋንትኡ ማንቼስተር ዩናይትድ ተፈላሊዩ።

ወኪል ክርስቲያኖ ሮናልዶ ጆርጌ ሜንዴዝ ቅድም ክብል ናብ ኣርሰናል ንኽፅምበር ሕቶ ኣቕሪቡ ዝነበረ እንትኸውን÷ ሕዚ ብዝወፅኡ ሓበሬታታት ግን ጋንታ ኣልናስር ብዝውውር ሮናልዶ ከምዝተስማዕመዐት ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.