Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ሕዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት 282 ሺሕን 934 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ተኸፋፊሉ – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት 282 ሺሕን 934 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸፋፈለ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ብምኽንያት ጎንፂ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ዝከፋፈል ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 5 ነጥቢ 2 ሚሊየን፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየንን ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ልዕሊ 715 ሺሕ ብሓፈሻ ልዕሊ 8 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

እቶም ሓገዝ ዝደልዩ ዜጋታት፥ ኣብ ኩለን ዞባታት ክልል ትግራይ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ጎንደር፣ ሰሜን ወሎን ምምህዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ክልተ፣ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዝርከቡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም፡፡

ነቶም ዜጋታ ኣብ ቀዳማይ ዙር 141 ሺሕን 671 ሜትሪክ ቶንን ኣብ ካልኣይ ዙር ልዕሊ 141 ሺሕን 263 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸፋፈለ ተዛሪቦም፡፡

ክሳብ ሕዚ ንሰለስቲአን ክልላት 282 ሺሕን 934 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸፋፈለ ኣይተ ደበበ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ 15 ሺሕን 666 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘቕረበ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር÷ ዝተረፈ ድማ ብመሓዙት ኣካላት ዝተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ማለት እውን ንኣዶታት፣ ህፃናት፣ ነብሰፁር ኣደታትን ሽማግለታታን ድማ 5 ሺሕን 938 ሜትሪክ ቶን ሃነፅቲ ምግቢ ተበፃሒ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.