Fana: At a Speed of Life!

ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና መሊኡ ተሓከምቲ ንዝኸፍአ ፀገም ይቃልዑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተወሰና ከተማታት ክልልን በዝሒ ተሓከምቲ ብምውሳኹ ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና መሊኡ ተሓከምቲ ንዝኸፍአ ፀገም እናተቓዑ ከምዝኾ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር ፅጌረዳ ክፍሌ፥ እዋናዊ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣመልኪተን ጋዜጣዊ መግለፂ ሂበን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ዓሌት ለበዳ ኮቪድ ዝኾ ዴልታ ቫይረስ ብልዑል ብርኪ እናተስፋሕፈሐ ስለዝኾነ፥ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም እናሓለፈ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡

ብብርኪ ሃገር ካብ 10 ክሳብ 16 መስከረም ካብ ሞንጎ ዝተመርመሩ 57 ሺሕን 940 ሰባት 8ሺሕን 753 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ናይ ምትሓዝ መጠን 15 ሚኢታዊ ከምዝኾነን እተን ዋና ዳይሬክተር ገሊፀን፡፡

መጠን ምስፍሕፍሑ ናብ ክልል ከተማታት እውን ብዝለዓለ ብርኪ እናተስፋሕሐ ከምዝኾ እውን ኣብሪሀን፡፡

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 798 ዝኾኑ ተሓከምቲ ናብ ማእኸል ፅኑዕ ሕክምና ኣቲዮም ክትትል ሕክምና ከምዝተገበረሎም ዝገለፃ ዶክተር ፅጌረዳ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክፍሊ ፅኑዕ ሕክምና መሊኡ ተሓከምቲ ንዝኸፍአ ፀገም እናተቐልዑ ከምዝኾኑ ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ሕበረተሰብ ምዝንጋዕ ከምዘለን ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግበኦን ምትሕስሳበን እውን ካብቲ ኢንቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.