Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያን መሓዙት ልምዓትን ሓበራዊ ዘተ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበበ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያን መሓዙት ልምዓትን 2ይ ሓበራዊ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም።

ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብቲ መድረኽ÷ ብስምምዕነት ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታን ሚኒስቴር ገንዘብን ዝተጣየሸ ትረስት ፈንድ ነቲ ኮሚሽን ዝወሃብ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋስው ብግደአን÷ ካብ ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓት ዝርከብ ሓገዝ ገንዘብ ትረስት ፈንድ ተጣይሹ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ክመሓደር ምግባሩ እቲ ኮሚሽን ብዘይ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ልኡኽትኡ ንኽዋፃእ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ሓላፊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቺም ስቴይነር÷ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ነቲ ኮሚሽን ወፃኢ ብምግባር ዝተፈላለዩ ተግባራት ከምዝተሳለጡ ፀሪሐን፡፡

እቲ ኮሚሽን ልኡኽትኡ ንኽዋፃእ እቲ ትረስት ፈንድ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝዋፃእ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.