Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ብመንፅር ዝተጣየሸሉ ዕላማ ብኣግባባቡ ክዋፃእ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል ሓምሻይ ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ጉባኤኡ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ዓመተ 2012 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣዳሚፁ።

ነቲ ፀብፃብ ዘቕረቡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዶክተር ዳንኤል በቀለ፥ እቲ ኮሚሽን ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበሩ ፖለቲካዊን ተመሳሰልቲን ፅዕንቶታት ንምውፃእ ከምብሓዱሽ ናይ ምውዳብ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ጉድለታት ዓቕሚ ከምኡ እውን ዝረኣዩ ክፍተታትን ሕፅረታትን ማዕቐፋት ሕጊ ምምሕያሽ ዘኽእል መፅናዕቲ ከምዝተገበረ ኣብዘቕረብዎ ፀብፃብ ሓቢሮም።

መጣየሺ ኣዋጅ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝወፅእ ልዕሊ 20 ዓመት ከምዝገበረ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር፥ እቲ ኣዋጅ ብመንፅር ሐዚ ዘሎ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ንምምሕያሽ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እቲ ዝግበር ምምሕያሽ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝፍለጥን ሰብኣዊ መሰል ኩለን ሃገራት ብመሰረት ዝምርሓሉን ዓለም ለኻዊ መርህ ከምዝቃነ ገሊፆም።

እቶም ኣባላት ባይቶ ብግደኦም፥ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሓላፍነቱ ብመንፅር ዝተጣየሸሉ ዕላማ ብኣግባባቡ ንምውፃእ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዱ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼብኡ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሕን ዴሞክራሲን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ደቂ ኣኒስቲዮ፣ መናእሰይን ማሕበራዊን ሰብ ናይ ምንጋድን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ምሽጋርን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝተዳለወ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ዘቕርብዎ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ብምምርማር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ሰብ ናይ ምንጋድ፣ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ምሽጋርን ንስራሕ ናብ ወፃኢ ሃገር ምልኣኽን፥  ኣብ ልዕሊ ኣካል፣ ህይወትን ድሕንነትን ዜጋታት ልዑል ጉድኣት የብፅሕን ንግህሰት ሰብኣዊ መሰል የጋልፅን ምህላዉ እቲ ኣዋጅ ንኽሰናዳእ መበገሲ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.