Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ጉምሩክን ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ኤርፖርት ጉምሩክ ኣዲስ ኣበባን ንሰራዊት ምክልኻል ዘደለዉዋ ድጋፍ ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮምሽን ጉምሩክን ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ኤርፖርት ጉምሩክ ኣዲስ ኣበባን ንሰራዊት ምክልኻል ዘዳለዉዎ ድጋፍ ኣረኪቦም፡፡

እቲ ኮምሽን ብር 602 ሽሕ ግምት ዘለዎ ብዓይነትን ብር ሓደ ሚሊየን ብጥረ ገንዘብን ድጋፍ ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ኤርፖርት ጉምሩክ ኣዲስ ኣበባ ድማ 50 ኣጣል ድጋፍ ጌሮም፡፡

እቲ ድጋፍ ብፍላይ ብምኽንያት ኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖምን ክትትል ሕክምና እናገበሩ ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ዝዉዕል እዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ድጋፍ ዘረከቡ ኮምሽን ኮምሽነር ጉምሩክ ደበሌ ቃበታን ኣካያዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ኤርፖርት ጉምሩክ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ተፈሪ መኮነንን ከምዝገለፅዎ÷ “ኣካል ንሰላምን ድሕንነትን ሃገር ዝኽፈል ዋጋ ምዃንና ሕጉሳት ኢና፤ እቲ ወፍሪ ተዛዚሙ ሃገር ሰላም ክሳብ ትኸዉን ድጋፍና ቀፃሊ እዩ” ኢሎም፡፡

እቲ ድጋፍ ዝተረከቡ ዳይሬክተር ስልጠናን ምርምርን ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጦርሃይሎች ኮሎኔል ዶክተር ኣሰማ ተፈራብግደኦም÷ “ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስከሓደ ናብ ኲናት ካብ ንኣቱ ጀሚሩ ህዝቢ ዘይተቋረፀ ድጋፍ ብምግባር ካብ ጎኒና ተፈሊዩ ኣይፈልጥን” ኢሎም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.