Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ጉምሩክ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 28 ሚሊየን ብር ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 20 ሚሊዮን ብር ብጥረ ገንዘብን 8 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ናውቲን ድጋፍ ገይሩ፡፡

ኣብቲ እዋን ተረኺቦም መደረ ዘስመዑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ደበሌ ቃበታ፥ እቲ ኮሚሽን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቅፅለሉ ተዛሪቦም፡፡

ወፍሪ ህልውና ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕዚ 160 ሚሊየን ብር ብናውቲ ኢሉውን ልዕሊ 78 ነጥብ 5 ሚሊየን ብር ድማ ብጥረ ገንዘብ ሓገዝ ከምዝገበሩ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር÷ ሕዚ እውን ልዕሊ 8 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ኣልባሳትን ብጥረ ገንዘብ ድማ 20 ሚሊየን ብር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድጋፍ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሚኒስትር ዴኤታ ሰራዊት ምክልኻል ፌደርኢ ማርታ ሉዊጅ ብግደአን÷ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንወፍሪ ህልውና ዝገበርዎ ሓገዝ ሎሚ ተረኺቡ ንዘሎ ዓወት  ግደኦም ልዑል ከምዝነበረ ገሊፀን፡፡

ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘርአዮ ፍቅርን ድጋፍን ኣጠናኺሮም ንክቅፅሉሉ ተላቢየን፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.