Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል “ልዕሊ ርእስኻ ንሃገርን ህዝቢን!” ብዝብል መሪሕ ቓል ፅባሕ ዘኽብሮ በዓል ብዝምልከት ኣብ ሆቴል ሸራተን መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልላት፣ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣምባሳደራትን ኣባላት ሰራዊት ፖሊስን ተረኺቦም።

ኮሚሽነር ጄነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው፥ ልኡኽቶ ፖሊስ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሓየለን ካብ ውሽጢን ወፃኢን ብዙሓት ፈተናታት እናተኣናገደ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ምስ ሃገራዊ ለውጢ ተተሓሒዙ ውሽጣን ደጋዊን ፀገማት እናጋጠሙዎ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል፥ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ብመፅናዕቲ ዝተሓገዘ ከይዲ ምልዋጥ እቲ ትካል እናተሰርሐ ከምዝኾነን ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ለውጢ ከምዝተጀመረን ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣወዳደድባ፣ ሓይሊ ሰብ፣ ቀረብ እታወት፣ ቴክኖሎጂን ካልኦትን ዝነበሩ ፀገማት እናተፈትሑ ጭቡት ውፅኢት እናምፅኡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ብዝበለፀ ከምዝስራሕ እውን ኮሚሽነር ጄነራል እንዳሻው ጣሰው ኣረጋጊፆም።

መንግስቲ ክልላት ነዙይ ኣብ ዝምጥን ህንፀት ሓይሊ ሰብ ናይ ባዕለን ኣስተዋፅኦ ከበርክታ ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ካብ ዝጣየሽ ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ዝተጉዓዘሉ ከይዲ ዘርኢ ዶክመንተሪ ፊልም ንዕዱማት ቀሪቡ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ሰነድ መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ዘተ ከምዝግበረሉን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንንን መልእኽቲን መምርሒ ስራሕን ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.