Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ወተሃደራዊ ሓበራዊ ጥምረት ኢትዮ ሱዳን ዘተ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ መበል 22 ንስር ክፍለ ሰራዊት ሳልሳይ ብርጌድ መበል ሳልሳይ ሻለቃን ኣመራርሓ ፖሊስ ፌዴራልን ምስ መበል 13 ከፍለ ሰራዊት መበል 14 ብርጌድ ታሽዓይ ሻለቃ ኣመራርሓ ሱዳን ኮሚቴ ወተሃደራዊ ሓበራዊ ጥምረት ኢትዮ ሱዳን ዘተ ኣካይዱ።

እቲ ዘተ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ፀፅታ መሰረት ብምግባር ዝተኻየደ ኢዩ ተባሂሉ።

ምክትል ኣዛዚ ሳልሳይ ሻለቃ ሰለሞን ኣፈራ ኣብቲ ዘተ ኣብ ዘገበርዎ መደረ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንቡዙሓት ዓማውቲ ዝፀንሐን ንትሕብብር ሰላም እተን ሃገራት ዘለዎ ዋጋ ልዑልን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ከልቲአን ሃገራት ኣብ ክሊ ሰላምን ድሕንነትን ሓቢረን ከምዝሰርሓ ተዛሪቦም።

ዋና ኣዛዚ ታሽዓይ ሻለቃ ሱዳን ኮሎኔል መሓመድ ኣደም፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ክሊ ሰላምን ድሕንነትን ብሓባር እናሰርሓ ከምዝፀንሓ ኣዘኻኺሮም።

ክልቲአን ሃገራት ልውውጥ ሓበሬታ ብምግባር፣ ኣብ ከባቢ ዶብ ናይ ሓባር ምልከታ ብምግባር፣ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ኮንትሮባንድን ንምቁፅፃር ዘኽእሉ ናይ ሓባር ስራሕቲ ከምዝሰርሓ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.