Fana: At a Speed of Life!

ኮቪድ -19 ንምክልካል ዓሊሙ ኣብ ዝሳለጥ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ምርመራን ምክልኻልን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምርመራን ምክልኻልን ዝህሉ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ወሳኒ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ሕብረተሰብ ሐዚ ዘሎ ምልባዕ እቲ ቫይረስ ብምግንዛብ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ብትኹረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝዓለመ ሃገራዊ ምንቕናቕ ምርመራን ምክልኻልን ምጅማሩ ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ኣብቲ ወፍሪ 17 ሚሊየን ክፋላት ሕብረተሰብ ምርመራ ከምዝግበረሎም ኣብሪሀን።

ነዚ ንምፍፃ ድማ 200 ሺሕ ምርመራታት ላቦራቶሪ ከምዝግበሩ ገሊፀን።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝሕግዝ ሃገራዊ ምንቕናቕ ምርመራን ምክልኻልን ምጅማሩ ምልባዕ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ከምዝሕግዝ እውን ሓቢረን።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ቀንዲ ተዋሳኢ እቲ ወፍሪ ብምዃን ንባዕሉ፣ ስድርኡን ከባቢኡን ካብቲ ሕማም ኣብ ምሕላው ግድኡ ክዋፃእ ኣለዎ ኢለን።

በቲ ለበዳ ክልከፉ ዝኽእሉ ሰባት ቁፅሮም ክውስኽ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው በቢወረድኡ ማእኸላት ሕክምና ፈሊኻ መፅንሒ ካብ ብሐዚኦም ክዳለዉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ሕብረተሰብ ኢዱ ብምሕፃብ፣ ኣፉን ኣፍንጭኡን ብምሽፋን፣ ኣብ መንበሪኡ ብምፅናሕን ርሕቐቱ ብምሕላውን ኣቢሉ እቲ ቫይረስ ክከላኸልን ክቆፃፀርን ይግባእ እውን ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.