Fana: At a Speed of Life!

ኮንፈረንስ ስድራ ስዉኣት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳለጥ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮንፈረንስ ስድራ ስዉኣት ካብ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ 15 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝሳለጥ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ እቲ ኮንፈረንስ “ስድራ ሰወኣትና መሰረት ልምዓት፣ ዴሞክራስን ስላምን እዮም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ገሊፀን።

ንመበል ራብዓይ ግዘ ዝሳለጥ እቲ ኮንፈረንስ፥ ካብ መላእ ትግራይ ዝተውፃእፅኡ ኣስታት 502 ስድራ ስዉኣትን ልዕሊ 300 ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዝተዓደሙ ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ክኾኑ እዮም ኢለን።

ኣብቲ ንሰለሰተ መዓልቲ ዝፀንሕ ኮንፈረንስ፥ ስድራ ስውኣት ብመስዋእቲ ደቆምን 11 ለካቲትን ዝተረኸበ ሰላም ዝፈጠሮም ዓበይቲ ትካላት ልምዓት ዑደት ዝገብርሉ፣ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ዝድህስስሉ ዘተን ስነ-ስርዓት ምሃብ ኣፍልጦ ስድራ ስዉኣትን ከምዝካየድ እውን እተን ሓላፊት ቢሮ ኣብሪሀን።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.