Fana: At a Speed of Life!

ኮንፈረንስ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ፓን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮንፈረንስ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ፓን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኮንፈረንስ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮነንን ተረኺቦም።

ብኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዝተሰናደአ እቲ ኮንፈረንስ÷ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ ኣብ ዝተኸፈተ ሙዚየም ሳይንስ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኣፍሪካ ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ምብቃዕ ዝበል መሪ ቓል እናተኻየደ ይርከብ።

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ኮንፈረንስ÷ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝርከበሉ ብርኪን ንልምዓት እታ ኣህጉርን ከበርክቶ ዝኽእል ኣስተዋፅን ዝምልከቱ ሳይንሳዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ከምዝግበረሎም ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.